ゲッティイメージズ

መንግስቲ ሱዳን፡ 'ካብ መሬት ኢትዮጵያ ዝተበገሳ ድሮናት ኣብ ልዕሊ 「」 ብዝብል ክሲ፡ ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራትን ባይቶ ሰላምን ጸጥታን ሕብረት ኣፍሪቃን ከሲሱ።

ግብጺ ብወገና ንጐረባብቲ ሃገራት ሱዳን ብምኽሳስ፡ ናብ ዕጡቓት ዳዕመ-ሰሪዕ ዝግበር ቀረብ ኣጽዋር ደው ክብል ጸዊዓ።

ምኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ሱዳን ኣብ ዘውጽኦ ወግዓዊ መግለጺ፡ ዕጡቓትログインしてください。 ኢትዮጵያ ብምብጋስ፡ ኣብ ልዕሊ ህዝባዊ ትካላትን መሰረተ-ልምዓትን መጥቃዕቲ ከም ዘካየዳ ዝገልጽ ክሲ ኣቕሪቡ።

እቲ ምኒስትሪ ነዚ ዘረጋግጽ ሰነዳትን ናይ ሳተላይት መርትዖታን ናብተን ኣህጉራውያን ትካላት ከም ዘእተወ ኣፍሊጡ።

ማዕከን ዜና ኣናዶሉ ነቲ መግለጺ ብምጥቃስ ከም ዝጸብጸቦ፡ እቶም और देखें ምክያዶም "ተጻባኢ ተግባር" ምዃኑ ሱዳን ትገልጽ።

እዚ ድማ ንኢትዮጵያ ኣብ ትሕቲ ኣህጉራዊ ሕጊ ተሓታቲት ብምግባር ንዓንቀጽ 2(4) ቻርተር ሕቡራት ዝጥሕስ ምዃኑ እታ ሃገር ትኸስስ።

ብተወሳኺ፡ ዓለምለኻዊ ማሕበረሰብ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣህጉራዊ ሕጊ ንምትግባር ግደኡ ክጻወት ጸዊዓ።

መንግስቲ ኢትዮጵያን ዕጡቓት ዳዕመ-ሰሪዕን ነዚ ብሱዳን ዝቐረበ ክሲ ዛጊት ዝሃብዎ ወግዓዊ ምላሽ የሎን።

ቅድሚ ሕጂ ግን፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንዕጡቓት ዳዕመ-ሰሪዕ ትድግፍ ኣላ और देखें ኰይና፡ ንልዑላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ሱዳን ከም እተኽብር ኣፍሊጣ ነይራ።

ኣዲስ ኣበባ፡ ገለ ወተሃደራዊ ኣዘዝቲ ሰራዊት ሱዳን ንዕጡቓት ህወሓት ደገፍ ይህቡ ነይሮም ብምባል ክትከስስ ጸኒሓ እያ።

ログインしてください。 መጥቃዕቲ ከም ዘየካይዱን ዕላማታቶም ወተሃደራዊ ዒላማታት ሰራዊት ሱዳን ጥራይ ምዃኑን ክገልጹ ጸኒሖም እዮም።

መጥቃዕቲ መደበራት ጸዓትን ኣዋጅ ዝለዓለ ድልውነትን

እዚ ሱዳን ዝወሰደቶ ዲፕሎማስያዊ ስጕምቲ፡ ካቢነ ምኒስተራት ሱዳን ብሰንበት 1 ሕዳር ኣብ ዘካየዶ ኣኼባ፡ ብሰንኪ'ቲ ኣብ ልዕሊ ትካላት ጸዓትを参照してください。 መጠን ድሕሪ ምእዋጁ እዩ።

እቲ ካቢነ፡ ንዕጡቓት ዳዕመ-ሰሪዕ መጥቃዕቲ ዝፍጽምሉ መወከሲ ነጥብታት ብምሃብ ዝተሓባበረ ዝዀነ ሰብ፡ ዝለዓለ ናይ መቕጻዕቲ ስጕምቲ ከም ዝውሰደሉ ኣጠንቂቑ።

ብመሰረት ጸብጻባት 'ሱዳን ትሪቡን'፡ ንሓደ ሰሙን ብቐጻሊ ኣብ ዝተኻየደ መጥቃዕትታት፡ ኣብ ገዳርፍ፡ ሰናር፡ ኣልጀዚራ፡ ኣ'ኒል ኣልኣብየድ (ጻዕዳ ናይል)፡ ካርቱም፡ ደቡብ ኮርዶፋን፡ ሰሜናዊ ክፍለ-ሃገርን ፈለግ 14 ናይ ኤሌክትሪክ መከፋፈሊ መደበራት ዓንየን እየን።

እዚ፡ ኣብ መላእ እታ ሃገር ሰፊሕ ቍጠባዊ ዕንወትን ልዑል ምቍራጽ ሓይሊ और देखें ሕብስትታትን ካብ ስራሕ ወጻኢ ገይሩወን ይርከብ።

ምክትል ምኒስተር ባህልን ሓበሬታን ሱዳን ግርሃም ዓብደልቃድር ድሕሪ ኣኼባ ካቢነ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ እቲ ካብ ውሽጢ ኢትዮጵያ እናተተኰሰ 「ገበን ኣንጻር ሰብኣውነት」 ክብል ዝዀነኖ ኰይኑ፡ ስቪላዊ ትካላት ዒላማ ምግባር ዕጡቓት ዳዕመ-ሰሪዕ ዝወርዶም ዘሎ ተኸታታሊ ወተሃደራዊ ስዕረታት ዘርኢ እዩ ኢሉ።

መርገጺ ግብጽን ስትራተጅያዊ ስግኣትን

ነዚ ኣብ ሱዳን ዝተኸስተ ከቢድ ኵነታት ስዒቡ፡ መንግስቲ ግብጺ ንጐረባብቲ ሃገራት ሱዳን ብምኽሳስ፡ ብዶባተን ኣቢሉ ናብ ዕጡቓት ዳዕመ-ሰሪዕ ዝውሕዝ ዘሎ ቀረብ ኣጽዋር ብህጹጽ ደው ክብል ጸዊዑ።

ምኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ግብጺ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ኣብ ልዕሊ ስቪላውያንን ህዝባዊ ትካላትን ሱዳን እናበኣሰ ዝመጽእ ዘሎ ደብዳባት ድሮን ንዓለምለኻዊ ሰብኣዊ ሕጊ ብግህዶ ዝጥሕስ ምዃኑ ብምግላጽ፡ ንዅሉ ዓይነት ኣብ ልዕሊ ንጹሃን ዜጋታት ዝቐንዐ ዓመጽ ብትሪ ከም ዝነጸጎ ማዕከናት ዜና 'ኢጂፕት ቱደይ' ጸብጺባ።

ካይሮ ንጐረባብቲ ሃገራት ኣብ ዘቕረበቶ ክሲ ብንጹር ንመን ተመልክት ከም ዘላ ኣየነጸረትን።

ግብጺ ንሰራዊት ሱዳን ከም ሕጋዊ ሓላዊ ሃገራዊ ትካላትን ድሕነትን እትርእዮ ኰይና፡ ኣብ ደቡባዊ ዶባ ዝፍጠር ዝዀነ ይዅን ናይ ዕጡቓት ምዕብላል ንብሄራዊ ድሕነታ ቀጥታዊ ስግኣት ምዃኑ እያ ትኣምን።

ካብዚ ብተወሳኺ፡ ኣብ መንጎ ግብጽን ኢትዮጵያን ብዛዕባ ዓቢ ግድብ ህዳሰ ዘሎ ዘይተፈትሐ ሕዱር ምስሕሓብ፡ ነቲ ኣብ ሱዳን ዘሎ ውግእ ናብ ዞባዊ "ናይ ውክልና ኲናት" ይቕይሮ ምህላዉ ዲፕሎማሰኛታት የረድኡ።

ኣንፈት ውግእ ዝቐየረ ኲናት ድሮናት'ን ሰብኣዊ ሳዕቤኑን

እቲ ውግእ ኣብ ዝጀመረሉ እዋን ሰራዊት ሱዳን ብነፈርቲ ውግእ ኣቢሉ ኣብ ሰማያት ብልጫ ነይርዎ።

ኣብዚ ሕጂ እዋን ግን ዕጡቓት ዳዕመ-ሰሪዕ ዘመናውያን ድሮናት ብምዕጣቖም፡ ኣብ ውሽጢ ግዝኣት ሰራዊት ሱዳን ደብዳባት ከካይዱ ክኢሎም ኣለዉ።

እዚ ምዕባለ'ዚ ንባህሪ እቲ ውግእ ብዓቢኡ ዝቐየሮ ኰይኑ፡ ሰራዊት ሱዳን'ውን ብወገኑ ስርሓት ወጻኢ ሃገራት ዝዀኑ ድሮናት ከም ዝጥቀም ይፍለጥ።

をフォローしてください。 እዩ። 14 መደበራት ኤለክትሪክ ምዕናወን፡ ንሆስፒታላት፡ ናይ ኰላሊት ሕሙማን መሐከሚ ክፍልታትን መደበራት ማይን ካብ ስራሕ ወጻኢ ገይርወን ኣሎ።

ላዕለዋይ ኮምሽነር ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ቮልከር ቱርክ ከም 300 個の商品を購入してください。 ተቐቲሎም፡ ብኣማእታት ዝቝጸሩ ድማ ቈሲሎም።

ካርቱም ነዚ ጉዳይ ብወግዒ ናብ ኣህጉራውያን መድረኻት ከተብጽሖ እንከላ፡ ካይሮ ድማ ኣብ ሱዳን ህጹጽ ምቍራጽ ተዅሲ ክእወጅ፡ ሰብኣዊ ሓገዛት ብዘይ ዕንቅፋት ክበጽሕን መከራ ህዝቢ ሱዳን ዘብቅዕ ኵለመዳያዊ ፖለቲካዊ ዘተ ክካየድን ጸዊዓ ኣላ።

ተወሳኺ መርምር

ሓጸርቲ ቪድዮታት

መወዳእታ ሓጸርቲ ቪድዮታት

ኢማራት ንኣዘዝቲ ሱዳን ንማእሰርቲ ፈሪዳ፡ ካርቱም ንሕጹይነት ኣቡ ዳቢ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ተቓዊማቶ

ሱዳን፡ ዳዕመ-ሰሪዕ ሆስፒታላት ብደይመደይ ከምዘዕነወ መርመራ ቢቢሲ ኣረጋጊጹ

どうですか?

ዜናታት

ትግራይ፡ ህይወት ዝበልዕ ዘሎ - ሓፂን ዝእረየሉ መኽዘን ኣፅዋር

ቀጥታ , ሸፋቱ ባሕሪ ሶማልያ ንመርከብ ገፈፍቲ ዓሳ ኢራን ጨውዮም

ኣዘራረብቲ ዛዕባታት

ዝያዳ ዝተነበ